ብርቱካን ተመስገን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 16 ውልቀ ሰባት ክሲ ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብርቱካን ተመስገን ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 16 ውልቀ ሰባት ኣብ ኢ.ቢ.ኤስ ቴሌቪዥን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምውዛዕ ገበን ግብረ ራዕዲ ሓዊሱ ሰለስተ ክስቲታት ተመስሪቱ።

እቶም ተኸሰስቲ ሎሚ ድሕሪ ሰዓት ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ልደታ ምድብ ቀዳማይ መጋባእያ ፀረ ግብረ ራዕዲ ቀሪቦም ብዝተፈፀመ ተግባር ግብረ ራዕዲ ከከምተሳትፈኦም ዝቐረበሎም ክሲ ተነቢቡሎም።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ዝመስረተሎም ውልቀ ሰባት ኣብ ኣሜሪካን ውሽጢ ዓዲን ዝርከቡ እንትኾኑ፥ መዓዛ መሓመድ፤ ተስፋዬ ወልደሰላሴ፣ ኢ.ቢ.ኤስ ቴሌቭዥን ሓ.ዝተ.ው/ማህበር፣ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ትካላት ዝሰርሑ ኣመራርሓን ብርቱካን ተመስገንን ሓዊሱ 16 ውልቀ ሰባት ኢዮም።

ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሻድሻይ ዘለዉ ተኸሰስቲ ኣብ 1996 ዓ.ም ብዝወፅአ ናይ ገበን ሕጊ ዓንቀፅ 32  (1) (ሀ) (ለ) ን ገበን ግብረ ራዕዲ ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ  1176/2012 ዓንቀፅ 3/1/ለ/ ዝተደንገገ ብምትሕልላፍ ክሲ ቀሪቡሎም ኢዩ።

እቶም ተኸሰስቲ ምስ ካልኦት ንግዚኡ ኢዶም ምስ ዘይተትሓዙ መሻርኽቶም ብምዃን ዕላማ ፖለቲካ ብሓይሊ ንምፍፃም ብምሕሳብ ብሕገ መንግስቲ ዝተጣየሸ ናይ ፌዴራልን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራን ብሓይሊ ብምውጋድ ስልጣን ምሓዝ እዚ እንተዘይኮይኑ ድማ መንግስቲ ብሓይሊ ብምውጋድ ንድርድር ከፍ ንክብል ምግባር ዝብል ዕላማ ብምሓዝ ምንቅስቓሶም ኣብቲ ክሲ ሰፊሩ።

እቶም ተኸሰስቲ ነዚ ዕላመኦም ንምዕዋት ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ ዩንቨርስቲታት ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ናይ ኦሮሞ ብሄር ተወለድትቲ ተምሃሮ ልዑል መጥቃዕቲ ንክበፅሖም ብምግባር ብዓፀፍኡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝነብሩ ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ናይ ክልል ኦሮሞ ተወለድትቲ ሓደጋ ንከብፅሑ ብምግባር ናይ ነበርቲ ህይወትን ንብረትን ንልዑል ሓደጋ ብምስጣሕ ኣብ ውሽጢ እዛ ሃገር ልዑል ሕምስምስ ንምፍጣር ተንኮል ምፍሓሶም ኣብቲ ክሲ ተነቢቡ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ልዕልነት ሕጊ ንከይህሉ፣ መወዳእታ ዘይብሉ ልዑል ሞት ሰብ ንከጋጥም ብምግባር መንግስቲ ነዛ ሃገር ተረጋጊዑ ንከየመሓድር፣ ናይዛ ሃገር ሓድነትን ሉእላውነትን ንከይሕሉ፣ ናይ ዜጋታት ብሰላም ናይ ምንባር መሰል ንከየኽብር፣ መንግስቲ ንህይወትን ንብረትን ሰብ  ድሕንነትን ውሕስናን ንከይኸውን ብምግባር ኣጋጣሚ ብምጥቃም እቶም ተኸሰስቲ ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ኮይኖም ብምንባብ ዝተመደቡሉ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ከም እወንታዊ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ካብ ወርሒ መስከረም 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ክሳብ ወርሒ መጋቢት 2017 ዓ.ም ምንቅስቓሶም ኣብቲ ክሲ ቀሪቡ።

ብቀንዱ ድማ መበል ሻድሻይ ተኸሳሲት ተምሃሪት ዩንቨርስቲ ደምቢዶሎ ኮይና ተመዲባ ኣብ ዘላትሉ ተጠሊፋ ከምዝተደፈረት ብምምሳል፣ ስኑዕ መለለዪ ማንነት ሓዊሱ ናይ ገንዘብ ድጋፍን ትልሚን ኣውፂኦም ብምሃብን ብተግባር ብምስታፍን እቶም ተኸሰስቲ ብመሰረት ዝፈፀምዎ ገበር ግብረ ራዕዲ ክሲ ቀሪቡሎም።

ኣብ መበል ካልኣይ ክሲ፥ ካብ መበል ሻውዓይ ክሳብ 11 ዘለዉ ተኸሰስቲ ኣብ 1996 ዓ.ም ዝወፅአ ሕጊ ገበን ዓንቀፅ 32(1)(ሀ)(ለ)፣ 34፣ 43(3)፣ 46ን ዘረባ ፅልኣትን ናይ ሓሶት መረዳእታን መውዛዕ ገበን ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝወፅአ ኣዋጅ ቁፅሪ 1185/2012 ዓንቀፅ 4፣5 ን 7/4 ዝተደንገገ ብምትሕልላፍ ክሲ ቀሪቡሎም።

መበል ሳልሳይ ክሲ ድማ ኣብ መበል ሳልሳይ፣ ሻድሻይን ካብ 12 ክሳብ 16 ዘለዉ ተኸሰስቲን ዝቐረበ አንትኸውን፥ እቶም ተኸሰስቲ ኣብ 1996 ዓ.ም ዝወፅአ ሕጊ ገበን ዓንቀፅ 32(1) (ሀ)(ለ)፣ 33ን ናይ ገዕዚይና ገበን ኣዋጅ ቁፅሪ 881/2007 ዓንቀፅ 9(2) ብምትሕልላፍ ክሲ ቀሪቡሎም።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ልደታ ምድብ ቀዳማይ መጋባእያ ፀረ ግብረ ራዕዲ ናይ የማንን ፀጋመን ክርክር ንምስማዕ ን5 ግንቦት 2017 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment