ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ክሳብ ሕዚ ብመተግበሪ ኣፕ ቴሌብር ልዕሊ 6 ነጥቢ 88 ትሪሊየን ብር ዝውውር ገንዘብ ተፈፂሙ ኢለን ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮቴሌኮም ፍረህይወት ታምሩ፡፡
ፍረህይወት ታምሩ እቲ ትካል ኣብ ኣፈፃፅማ ፍርቂ ዓመት 2018 ኣመልኪተን ኣብ ዝሃብኦ መብራህርሂ፤ ኢትዮ ቴሌኮም ዲጂታል ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሐ እዩ ኢለን፡፡
ብፍላይ ብቴሌብር ዝውውር ካብ ምስላጥ ኣንፃር ቴሌብር ግሁድ ውፅኢት ምምዝጋቡ ተዛሪበን፡፡
ዲጂታላዊ ፋይናንስ ብምጥንኻር ስሉጥ፣ ተበፃሕን ንኹሉ ዝሓቁፍን ኣገልግሎት ንምሃብ ምስርሑ ኣረዲኤን፡፡
ኣብዚ ሕዚ እዋን ቁፅሪ ዓማዊል ቴሌብር 58 ነጥቢ 61 ሚሊየን ከምዝበፅሐ ብምግላፅ ኣብ ፈላማይ ፍርቂ ዓመት ተወሳኺ 4 ነጥቢ 69 ሚሊየን ዓማዊል ምፍራይ ኽኢሉ ኢለን፡፡
ብቴሌብር ግልጋሎት ልቃሕ ልዕሊ 16 ሚሊየን ዓማዊል ተበፃሒ ምግባር ምኽኣሉ ኣረዲኤን፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ፌስቡክ FBC Tigrigna
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!