ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ካብ ብሔራዊ ባንኪ ፍቃድ ወፃኢ ዝኾነ ስራሕ ባንኪ ብምስራሕ ኢትዮጵያ ልዕሊ 14 ሚሊየን ዶላር ንክትስእን ብምግባር ዝተጠርጠረት ቻይናዊት ውልቀሰብ ክሲ ተመስሪቱላ።
ሊንግ ቹንግ ዝተብሃለት ተከሳሲት ብዝተፈላለዮ ሃገራት ዝርከቡ ሰባት ገንዘብ ናብ ኢትዮጵያ ንምልአኽ እንትደልዮ በቶም ሃገራት ዘይተትሓዘ ተሓባበርቲ እቲ ገበን ነቲ ገንዘብ ብምእካብ ኣብ ኢትዮጵያ ውሽጢ ዝርከቡ 40 ውልቀ ሰባት ከመሓላልፉ ምፅንሖም እቲ ክሲ ኣረዲኡ።
እታ ተከሳሲት ብባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝከፈተቶ ቁፅሪ ተጠቂማ ካብ 30 ሕዳር 2013 ዓ.ም ክሳብ 4 ሕዳር 2018 ዓ.ም ልዕሊ 1 ሺሕን 112 ግዘ ብሓፈሻ 636 ሚሊየን 157 ሺሕ ብር ብዝተፈላለዮ ውልቀ ሰባት ምትሕልላፉ ዓቃቢ ሕጊ አብቲ ክሲ ገሊፁ።
እዚ ገንዘብ ብሕጋውያን መመሓላለፍቲ ተዝመሓላለፍ ነይሩ ኢትዮጵያዊ እትረክቦ ዝነበረ 10 ሚሊየን 492 ሺሕ ዶላር ኣስኢንዋ ኢሉ።
በመቅደስ ከበደ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!