ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተመሓይሹ ዝፀደቐ ኣዋጅ ኣቪዬሽን ሴኪዩሪቲ ኢትዮጵያ ንዕቤት ትራንስፖርት ኣየር ሓደ ደረጃ ክብ ዘብል ኢዩ ኢሉ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን።
ባይቶ ወከልቲ ኣብ ዘካየዶ 6ይ ዘበን መበል 15 ስሩዕ ኣኼባ ኣዋጅ ሴኪዩሪቲ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ንምምሕያሽ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ 1412/18 ብምምርማር ኣፅዲቑ፡፡
ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ናብ ፋና ዲጂታል ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ከመዘመላኸቶ÷ ድሕሪ 21 ዓመታት ተመሓይሹ ዝፀደቐ ኣዋጅ ኣቪዬሽን ሴኪዩሪቲ ኢትዮጵያ ስራሕቲ ድሕንነት ኣቪዬሽን ኣየር ብላዕለዋይነት ንምምራሕን ንምትሕብባር ዝተውሃበ ሃገራዊ ልኡኽቶ ካብ ስያመኡ ጀሚሩ ብግልፂ ዘካተተ ኢዩ።
ዕቤት ትራንስፖርት ኣየር ሃገርና ሓደ ደረጃ ክብ ንምባል ዝሕግዝ ኢዩ ዝበለ እቲ ኣኣገልግሎት÷ ድሕንነት ኣቪዬሽን ንምጥንኻር ትኹረት ካብ ዝወሃቦም ጉዳያ ፈላማይ ማዕቐፍ ሕጊ ከምዝኾነ ኣመላኺቱ።
በዚ ድማ ነባር ኣዋጅ ነቲ ኢንዱስትሪ ብዝድለ ደረጃ ንምዕባይ ማሕለኻ ኮይኑ ከምዝፀነሕ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን (ICAO) ተቀፅላ 17 ስታንዳርድታት እንተየካተተ ምፅንሑ ኣፍሊጡ፡፡
ተመሓይሹ ዝፀደቐ ኣዋጅ፤ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ዝተውሃቦ ድሕንነት ኣቪዬሽን ናይ ምርግጋፅ ሃገራዊ ልኡኽቶ ብዝለዓለ ብቕዓት ኣብ ምውፃእ ስራሕቲ ፅሬትን ቁፅፅርን ዓለም ለኸ ደረጃኦም ብምሕላው ንኽውገኑ ዘኽእሉ ሕጊታት ከምዝሓዘ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ኣገልግሎት ኣብ መዳይ ድሕንነት ኣቪዬሽ ንዘቐመጦ ራኢን ስትራቴጂክ ሸቶን መሰረት ዘንብር ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡
ዝተመሓየሸ ኣዋጅ ኣቪዬሽን ሴኪዩሪቲ ኢትዮጵያ ቁፅሪ 1412/18 ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 13 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም ብኣብዝሓ ድምፂ ከምዝፀደቐ ሓበሬታ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ኣመልኪቱ፡፡