ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቐ ተንቀሳቓሲ ኣውቶቡስ ኣገልግሎት ሓደ ማእኸል መሶብ ኣብ ኣፍሪካ ፈላማይ ዝበሃል ስራሕ ኢዩ ኢሎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር እቲ ተንቀሳቓሲ ኣገልግሎት ኣብ ዘጀመሩሉ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ዝኾነ ሰብ ኣብ ሓደ ማእኸል መሶብ ኣገልግሎት እንትረክብ ኢትዮጵያ ዕቤት ኣወሃህባ እቲ ኣገልግሎት ምስክርነት ከምዝወሃብ ገሊፆም።
ከምዝ ዝበለ ሱር ነቀል ለውጢ ዘመወፅኡ ስራሕቲ ንእነሓስቦ ጉዕዞ ምዕባለ ኣዚዩ ወሰንቲ ኢዮም ብምባል ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ኣገልግሎት እንድሕር ተሓኒቑ ምዕባለ ምርግጋፅ ኣይከኣልን ኢሎም።
ዜጋታት እቲ ኣገልግሎት ዝረኽቡሉ እዋን ምሕፃርን እቲ ኣገልግሎት ፈሊጦም ብቐሊል መገዲ ንኽረኽቡን ንግዲ ክሳለጥን ምግባር ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ኣልዒሎም።
መመሓየሺ ሲቪል ሰርቪስ ኣመራርሓን ምስልጣን ሕዚ ጉዕዞና ፅቡቕ ገይሩዎ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ብኩሎም ዓውዲታት ቴክኖሎጂ ዝሓቖፈ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
በዚ ድማ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት ብዝተማለአ መገዲ ዜጋታት ኣብ ዘለዉዎ ኮይኖም ዝደለዩዎ ኣገልግሎት ክረኽቡ ንምግባር ፃዕሪ ክግበር ኢዩ ኢሎም።
2 ሺሕ ዝኾኑ ኣገልግሎታት ካብ 45 ኣብ ዘይንእሱ ማእኸላት ከምኡ እውን ሞባይል ኣገልግሎታት ምስፋሕ ብኣብነት ዝፅራሕ ኣፈፃፅማ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
ብሶስና ኣለማየሁ