ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ተወከልቲ ህዝቢ ንመበል 19 ግዘ እናተኸብረ ኣብ ዝርከብ ስነ ስርዓት በዓል መዓልቲ ሰንደቕ ዕላማ ኣብ ቅድሚ ሰንደቕ ዕላማ ቃለ ማሕላ ፈፂሞም።
እቶም ተወከልቲ ኣብ ቅድሚ ሰንደቕ ዕላማ ድኽነትን ድሕረትን ብምውጋድ ኣብ ጉዕዞ ልምዓትን ዲሞክራስን ኢትዮጵያ ንህዝቢ ብፍትሓዊ መገዲ ተረባሒ ንምግባር ቃል ኣትዮም።
ኢትዮጵያ ብቕልጡፍ ናብ ምዕባለ ንምስግጋር፣ ናይ ለውጢ ጉዕዞኣ ንምጥንኻር፣ ፀገማት ብሓድነት ንምስግጋርን መንግስቲ ትኹረት ዝሃቦም መደባት ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ንምዕዋት ዘለዎም ቆራፅነት እውን ኣረጋጊፆም።
ብምህረት ደምሴ