ብዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ፈሪሱ ዝነበረ ካቢኔ እቲ ክልል ብምጥያሽ ስራሕ ኣጀሚርና – ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምምሕዳርን ኣገልግሎት ህዝቢን በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ብዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ፈሪሱን ተበታቲኑን ዝነበረ ካቢኔ እቲ ክልል ብምጥያሽ ስራሕ ኣጀሚርናዮ ኢና ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ገምጋም ዘተ ኣካይዶም።

ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ብዛዕባ እቲ ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፤ እቲ በዓል ሓደራ ኣብ መጀመርታ 45 መዓልታት ንምክያድ ዝሓንፀፆም መደባት ከምዝፈፀመ ገሊፆም።

ኣብቲ ዝተፀርሐ እዋን ፈሪሱ ዝነበረ ምምሕዳር እቲ ክልል ዳግም ብምውዳብ ናይ ምጥያሽ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ብምሕባር፤ ኣመራርሓን ውዳበን ዞባታት፣ ወረዳታትን ቀበሌታትን ከምዝተጣየሸ ተዛሪቦም።

ብሰንኪ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ፈሪሱን ተበታቲኑን ዝነበረ ካቢኔ እቲ ክልል ብምጥያሽ ስራሕ ኣጀሚርናዮ ኢና እውን ኢሎም።

እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ብዝሰርሖ ስራሕ በጀት ሒዙ ትልሚ ብምሕንፃፅ ክሰርሕ ዝኽእል ቁመና ዘለዎ ኣወዳድባ ተፈጢሩ እዩ ክብሉ ገሊፆም።

ስራሕ ክሰርሕ ዝኽእልን ሓላፍነት ዝስመዖን ሓይሊ ሰብ ከምዝተመደበ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ እቲ ዝተመደበ ሓይሊ ሰብ ስርሑ ብግቡእ ይፍፅም ምህላዉ ዝተጠናኸረ ገምጋም ከምዝካየድ ኣመልኪቶም።

ኣወዳድባ ፍትሒ፣ ፖሊስን ሚሊሻን ንኽምለስ ከምዝተገበረ ብምሕባር፤ ምስዚ ተተሓሒዙ ብተግባር ገበን ተፈሪዶም ካብ ማእሰርቲ ዝወፅኡ ተሃነፅቲ ብምህዳን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ክውዕሉ ብምግባር ኣብ ከባቢ ከተማታት ተጋዲዱ ዝነበረ ዘይሕጋዊ ተግባራት ምንካይ ከምዝተኻእለ ገሊፆም።

እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣብ ዝቕፅል እዋን ኣብ ሰለስተ ጉዳያት ብትኹረት ክሰርሕ ኣንፈት ከምዝተቐመጠሉ ብምሕባር፤ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ምምላስ ቀዳምነት ዝወሃቦ ተግባር ምዃኑ ኣመልኪቶም።

ካብዚ ብተወሳኺ ብድርቂ ኣብ ዝተጎድኡ ከባቢታት ሕብረተሰብ ንምድጋፍ ዝተኣከበ እኽሊ ብቕልጡፍ ክከፋፈል ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ብምግላፅ፤ እዚ ተግባር ብትኹረት ከምዝፍፀም ተዛሪቦም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብቲ ክልል ዕዉት መረፃ ተኻይዱ ሓላፍነት ብህዝቢ ናብ ዝተመረፀ መንግስቲ ምስግጋር፤ ቀንዲ ኣንፈት ትኹረት እቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር እዩ ኢሎም።

መንግስቲ ፌዴራል ክሳብ ሕዚ በቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ዝተኻየዱ ተግባራት ውፅኢታዊ ምዃኖም ከምዝገምገመ ዝገለፁ ኣይተ ኣሰፋ፤ መንግስቲ ፌዴራል ኣድላዪ ሓገዝን ምትሕብባርን ንምግባር ድሉው ምዃኑ ኣረጋጊፁልና እዩ ኢሎም።

ብኣቢይ ጌታሁን

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

Comments (0)
Add Comment