ተጠናኺሮም ዝቐፀሉ ስራሕቲ ልምዓት…

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ድሕሪ ምክያዱ ኮሪደር ልምዓት ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተሃንፁ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ብተኸታታሊ ተመሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ይኾኑ ኣለዉ።

ኣብቲ መረፃ ኢትዮጵያውያን ዘይተመለሱ ሕቶታት ብከይዲ ከም ዝፍትሑ፣ ዘይተዛዘሙ ስራሕቲ ከም ዝዛሙ፣ ከምኡ’ውን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ተጠናኺሮም ክቕፅሉ ብድምፆም ድጋፍ ምሃቦም ይፍለጥ።

ህዝቢ ካብ ጎንፂ ንሰላም፣ ንልምዓትን ንዴሞክራሲን ዝመረፆ ቆራፅነት መንግስቲ ቅድሚ ሕዚ ቃል ኣትዩ ካብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ልምዓት ብዝበለፀ ትግሃት ንኽሰርሕ ድርብ ሓላፍነት ሂቡ ኣሎ።

ድሕሪ መረፃ ተዓዋቲ ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፣ ብኣብላጫ ድምፂ ምስ ሰዓረ መንግስቲ ንምጥያሽ መሰል ምርካቡ ራእዩ ዝኾነ ሓፈሻዊ ብልፅግና ኢትዮጵያ ብውፅኢታዊ መገዲ ይስጉም ከም ዘሎ መርኣያ ምዃኑ ገሊፆም።

እቲ ፓርቲ ኩለ መዳያዊ ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ዝጀመሮም ብዙሓት ውፅኢታውያን ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ሕቶታት ህዝቢ ንምፍታሕን ዝተጀመሩ ናይ ልምዓት ስራሕቲ ንምቕፃልን ቃል ኣትዩ።

እዚ ቃል ናብ ተግባር ብምቕያር ኣብ መዲናን ኣብ ካልኦት ከባቢታትን ዝተሃንፁ ናይ ልምዓትን ኮሪደር ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክታትን ተመሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ኮይኖም ይርከቡ።

ንኣብነት እንጦጦ–ቀበና ወሓዚን ወሰን ሩባ ልምዓት ፕሮጀክት ከምኡ’ውን ካብ እንጦጦ ክሳብ ቀጨኔ መድሃኔዓለም ዝተሰርሐ ናይ ምሕዳስ ከባቢን ልምዓት ወሰን ወሓዚን ፕሮጀክታት ድሕሪ መረፃ ዝተፈፀሙ ናይ ኮሪደር ልምዓት ስራሕቲ እዮም።

ከምኡ’ውን ኣርባምንጭ ኮንፈረንስ ሪዞርት፣ ፕሮጀክት መገዲ ጫኖ–ጨንቻ፣ ሃማሳ ሞዴል መንደር፣ ከምኡ’ውን ኣብ ኣፍሪካ ቀዳማይ ዝተዋደደ ዲጂታል መተግበሪ ኣገልግሎት ድሕሪ መረፃ ተመሪቖም ንኣገልግሎት ክፍቲ ዝተገብሩ ፕሮጀክታት እዮም።

እቲ ኣብ ቀፃሊ ዝተጣየሸ ሓድሽ መንግስቲ ከም ሃገር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዘላቒ ሰላምን ህንፀት ዴሞክራሲን ዝኣመሰሉ ናይ ልምዓት ስራሕቲ እውን ተጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ትፅቢት ይግበር።

ብሚኪያስ ኣየለ

 

 

 

 

 

 

 

 

Comments (0)
Add Comment