ትካላት ብሲስተም ዝምርሑ ናይ ምግባር ስራሕ ፍሪኡ ይረአ ኣሎ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካላት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሰብ ዝተንጠልጠሉ ዘይኮኑስ ቀፃልነት ዘለዎም ብሲስተም ዝምርሑ ጥንኩራት ትካላት ናይ ምግባር ስራሕ ፍሪኡ ይረአ ኣሎ ኢለን ከንቲባ እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ።

እተን ከንቲባ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ሓበሬታ÷ ሎሚ ንጉሆ ብበዓል መዚ ምኽባር ደምቢ ዝተሰርሑ ስራሕቲ ሪፎርም ትካል ተዓዚብና ኢለን።

ቅድሚ ሕዚ ነበርቲ ቅርታኦም “ወይ ሓምሳ ወይ ኣልዕል” ዝብል ቅፅል ስም ኣውፂኦምሉ ከምዝነበረ ኣይርሳዕን ዝበላ እተን ከንቲባ÷ እዚ ስም ንምልዋጥን ዕግበት ነበርቲ ንምዕባይን ተኸታታሊ ብዝተሰርሐ ሪፎርም ብኣተሓሳስባ፣ ብስነ ምግባር ከምኡ እውን ዝዘመነ ኣሰራርሓ ብትግባር መሰረታዊ ለውጢ ከምዝተመዝገበ ሓቢረን።

Comments (0)
Add Comment