ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ነባራዊ ኩነታት ዓለም ብምርዳ ዘመኑ ዝጠልቦ ብቑዕ ሰብ ሞያ ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ምፍጣር ይግባእ ክብሉ ኣብ ፓርቲ ብልፅግና ሓላፊ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ዘፈር ርኽብ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
“ድሕሪ ሓቂ ዘበን ብሓቅን ፍልጠትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኣመራርሓታትን ሰብ ሞያታትን ስልጠና ዓቕሚ ህንፀት ኣብ ከተማ ጋምቤላ ይውሃብ ኣሎ፡፡
ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ኣብቲ መድረኽ ስልጠና፤ ድሕሪ ሓቂ ዘበን ብሓቅን ፍልጠትን ዝምራሕ ስራሕቲ ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ንሓድነት ህዝብን ዕቤት ሃገርን ኣዎንታዊ ግደ ኣለዎ ኢሎም፡፡
ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ጋትሉዋክ ሮን (ዶ/ር) ብግዲኦም ምዕቡል ቁጠባ ንምህናፅ፣ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምስፋን ሓቀኛ ዲሞክራሲ ንምርግጋፅ ኣብ ዓውዲ ሚድያን ኮሚዩኒኬሽንን ልዑል ግደ ምዃኑ ገሊፆም።