ናይዚ ዘበን ሓርበኝነት

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኘሬዚዳንት ማሕበር ጥንታዊ ሓርበኛታት ኢትዮጵያ ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ብተደጋጋሚ ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ “ኢትዮጵያ እተኽብሮ መዓልቲ ዓወት እምበር መዓልቲ ነፃነት ኣይኮነን” ኢሎም።

መዓልቲ ነፃነት ዝተረኸበሉ ዘይኮነስ ኣያታትና ብዝኸፈልዎ ረሃፅ፣ደምን ዓፅምን ዋጋ እዩ።

መዘከርታ መዓልቲ ሓርበኛታት ኣብ ታሪክ ኢትዮጵያ ልዑል ቦታ ዝውሃቦ ምዃኑ ዝገለፁ ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን፤ ፋሽሽቲ ጣሊያን ኣብ ኩናት ዓድዋ ዝበፅሖ ስዕረት ንምቕባል ክብል ድሕሪ 40 ዓመት ኢትዮጵያ ንምውራር ዝገበሮ ፈተነ ብመስዋእትነት ጀጋኑ ሓርበኛታት ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ኣቦታት ብሓርበኝነት ተቓሊሶም ነፃነት ሃገር ብምሕላው ነዚ ወለዶ ኣመሓላሊፎም።

እዙይ ብምዃኑ ኢትዮጵያ መዓልቲ ነፃነት ዘይኮነስ መዓልቲ ዓወት ኣብ ምኽባር ትርኸብ።

ነዙይ መዓልቲ ዓወት ዘብቁዑና ሓርበኛታት ኣቦታትና ብምዃኖም መንፈስ ሓርበኝነት ንወለዶ ንምውራስ ንመፃኢ ወለዶ ዝፀንዐትን ዝማዕበለትን ኢትዮጵያ ምርካብ ትፅቢት ይግበር።

በቢዓመቱ 27 ሚያዝያ ዝኽበር መዘከርታ ዓወት ሓርበኛታት እንትነኽብር ቀፃሊ ወለዶ ብምሕሳብ ኣሰር አንቢርና ክንሓልፍ ከምዘለና ብዙሓት ይስምዕምዑሉ።

ስለዝኾነ ኩሉ ብዝተዋፈረሉ ዓውዲ ውፅኢታዊ ንምዃን ፅባሕ ብምሕሳብ ምትጋህ ይግባእ።

ብሚኪያስ ኣየለ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment