ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ መወዳእታ ወርሒ ጳጉሜን መዓልቲ ብስራት ቃልኪዳን ዓወት ካብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ኣዲስ ኣበባ ዝተውፃእፅኡ መናእሰይን ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብን ኣብ ዝረኸቡሉ ኣብ ቤት ማዘጋጀ ተኸቢሩ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ መተሓባበሪ ወሃብቲ ግልጋሎት ትካላት ማሕበራዊ መንግስቲ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም፡፡
ኣይተ ጃንጥራረ ሓሙሽቲአን መዓልቲታት ጳጉሜን ኩለን ዝዝመራ ኢየን ኢሎም፡፡
ኢትዮጵያዊነት ዘለኣለማዊነት ኢዩ፤ ኣገልጋላይነት ድማ መዓልታዊ ስራሕ ኢዩ፤ ሰናይ ምግባር ዓመት ሙሉእ ሓቢሮምና ዘለዉ ክሉ ግዘ ክንትግብሮም ዝግብኡ ተግባራትን ከምዝኾኑ ተዛሪቦም፡፡
መዓልቲ ብስራት ቃልኪዳን ዓወት እንትነኽብር ዓወታት ፈፂምና ኢና ዝበሉ ኣይተ ጃንጥራር፥ ፅባሕ እውን ከምንፍፅ ኣብ ሎሚ መዓልቲ ኮይንና ቃል ነኣቱ ምባሎም ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።