ናይ ምኽክር መድረኻት ስሕተት ንምእራምን ትኽክለኛ ውሳነታት ንምውሳንን ዕድል ይህቡ – ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖለቲካዊ መድረኻት ዘተ ስሕተት  ንምእራምን ትኽክለኛ ውሳነታት ንምውሳን ዕድል ዝህቡ ኢዮም ኢሎም ነበር ፕሬዚዳንት ናይጄሪያን ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካን ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ መርሃ ግብሪ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሃገራዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብቲ መጀመሪ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ፤ ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ተመሳሳሊ ታሪኽ ኣለወን ኢሎም።

ክልቲአን ሃገራት ኲናት ሕድሕድ ኣጋጢሙወን ነይሩ ብምባል ዝገለፁ ኦሊሶጉን ኡባሳንጆ፤ ኲናት ሕድሕድ መዕነዊ ካብ ምዃኑ ሓሊፉ ተዓዋቲን ተሰዓሪን ከምዘይብሉ ኣገንዚቦም።

ብምኽንያት ሕድሕድ ኲናት ኣጋጢሙና ካብ ዝነበረ ቅልውላው ክንወፅእ ዝኸኣልና ብምኽክር ኢዩ ዝበሉ ኦባሳንጆ፤ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ እናሰርሖም ዝርከቡ ስራሕቲ ብምዕዛብ ዘሕጉሱ ነገራት ተመልኪተ ኢሎም።

ፖለቲካዊ መድረኻት ዘተ ስሕተት  ንምእራምን ትኽክለኛ ውሳነታት ንምውሳን ዕድል ዝህቡ ኢዮም ኢሎም፡፡

መዲና ኣፍሪካ ዝኾነት ኢትዮጵያ ዝተፈላለየ መንነት ዘለዎ ህዝባ ዝለዓለ ዕድላ ከምዝኾነ ፀሪሖም።

ብምህረት ደምሴ

Comments (0)
Add Comment