ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 2017 ልዕሊ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተሰናደአ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡
ሓምለዋይ ኣሰር ዝተጎድአ መሬት ዳግም ንኽግርብ፣ ጠሊ መሬት ንኽውስኽ፣ መጠን ማያዊ ኣካላት ንኽውስኽ ከምዝገበረ ኣብቲ ሚኒስቴር መሪሕ ፈፃሚ ስራሕ ልምዓት፣ ሓለዋን ኣጠቓቕማን ሃፍቲ ተፈጥሮ ፋኖሴ መኮንን ገሊፀን፡፡
በቲ መርሃ ግብሪ 40 ሚኢታዊ ደኒን 60 ሚኢታዊ ፍረምረን፣ መኖ እንስሳ፣ ልሙዕነትን ጥዕናን ሓመድ ዝሕልዉ ፈልሲታት ብምትካል ጭቡጥ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ንግዜኢ ተዛሪበን፡፡
ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ዝተከሉ ፈልሲታት ተፋሰስ ሃገራት ብሓደጋ ውሕጅ ከይጥቀዓ ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ከምዝርከብ እውን ብሪሀን፡፡