ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 8 ነጥቢ 4 ቢሊየን ፈልሲ ተዳልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ንሎሚ ዓመት ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር 8 ነጥቢ 4 ቢሊየን ፈልሲ ተዳልዩ፡፡

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ዴስክ ልምዓት ሻንቆ ቴሳ ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ÷ ነቲ መርሃ ግብሪ 7 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲ ንምትካል ተተሊሙ ክሳብ ሕዚ 8 ነጥቢ 4 ቢሊየን ፈልሲ ተዳልዩ።

ብ1 ነጥቢ 9 ሚሊየን ሄክታር መሬት ፈልሲ ንምትካል ምትላሙ ሓቢሮም÷ ካብዚ ውሽጢ 1ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር ምፍላዩ ተዛሪቦም።

ንተኸላ ካብ ዝተፈለዩ ልዕሊ 492 ሺሕ ሄክታር መሬት ምድላው ዝሓበሩ እቶም ሓላፊ÷ ኣብ እዋን ፅድያ ልዕሊ 518 ነጥቢ 9 ሚሊየን ፈልሲ ምትካሉ ኣረዲኦም፡፡

ብኻልእ ወገን ድማ ነቲ መርሃ ግብሪ ክሳብ ሕዚ 3 ነጥቢ 1 ቢሊየን ጎዳጉዲ ምድላዎምን ስራሕቲ ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ሓቢሮም።

ብኣድማሱ ኣራጋው

Comments (0)
Add Comment