ንስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ኢትዮጵያ ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ክቕፀል ኢዩ-ሕቡራት መንግስታት

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ንስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ኢትዮጵያ ዝግበር ደገፍ ተጠናኺሩ ክቕፀል ኢዩ ኢሉ ሕቡራት መንግስታት።

ሕዱራት መንግስታት ንስራሕቲ ዘላቒ ልምዓት ኢትዮጵያ ዝኸውን 6 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ስምምዕነት ደገፍ ተኸቲሙ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ተተካኢ ዋና ፀሓፊ እቲ ትካልን ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ኢትዮጵያን ራሚዝ ኣላካባሮቭ (ደ/ር)ን ሚኒስትድ ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰውን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ኢትዮጵያ ቀፃልነት ዘለዎን ኩለመዳይን ለምዓት ንምርግጋፅ ነእትገብሮ ፃዕሪ ንምድጋፍ ዝውዕል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ክብ ንምባል፣ ውሕስነት ምግቢ ንምርግጋፅ፣ ኢነርጂ ልምዓት፣ ትምህርቲ፣ ክሊማዊ ለውጢ ንምክልኻልን ካልኦት ዓውዲታትን ዝውዕል ከምዝኾነ መግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment