ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ንደቅና ዝመሓላለፍ ግዙፍ እምነ ኩርናዕ ክነንብር ኢና ኢሎም።
እቶም ቀደማይ ሚኒስትር ከይዲ ህንፀት ፕሮጀክት ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ዘለሉ ኩነታት ሎሚ ተዘዋዊሮም ኣብ ዝተዓዘብሉ እዋን፥ እቲ ፕሮጀክ ኣብ ኣፍሪካ ከምዝከኣል መርኣያ ኢዩ ኢሎም።
ብብርኪ ኣፍሪካ ዝሕሰቡ ሓሳባት ካብ ሓሳብ ክሳብ ፍፃመ ሙሉ ብሙሉእ ከይዱ ብቕርበት ንምፍላጥን ንምምራሕን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓዳ ሓደ ኣካላት ኣብ ማእኸል እናኣተዉ ንቕድሚትን ድሕሪትን ከይንኸይድ ሓኒቖም ደው የብሉ ኢዮም ኢሎም።
ሓደ ጥንቃቐ ዘድሊዮ እንተሃለወ ኣብ ማእከል እቲ ስራሕ ዘዐንቅፍ ነገር ከምዘይህሉ ምግባር ኢዩ ኢሎም።
ገንዘብ፣ ፍልጠት ወይ ካልኦት ዛዕባታት ነቲ ስራሕ ከዐንቅፍዎ ይኽእሉ ኢዮም ብምባል፥ እዚ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ፅባቐ፣ መልክዕን ሃፍቲን ከምዝቕይር ኣብሪሆም።
ሎሚ 8 ሺሕ ሓይሊ ሰብ ዝቆፀረ እቲ ፕሮጀክት እናተዛዘመ እንትኸይድ ካብ ዝኾፅሮ ሓይሊ ሰብ ብተወሳኺ ተረባሒ ዝኾኑ ዜጋታት ቁፅሮም ሚሒር ልዑል ከምዝኸውን ኣገንዚቦም።
እዚ እዋን ናይ ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀደማይ ሚኒስትር፥ እዚ እዋን ናትና
ከምዝኾነ ምዝራብ ጥራሕ ዘይኮነስ ንምትርጓም ዘኽእል ስራሕ ምስራሕ ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።
እዚ እዋን እንተኣምሊጡና መሊስና ከምዚ ዓይነት ስራሕ ንምሕሳብን ንምስራሕን ኣዝዩ ኣፀጋሚ ኢዩ እውን ኢሎም።
እቲ ስራሕ ናይ ኢትዮጵያ ተስፋ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ኣብዚ ከባቢ ዝነብሩ ነበርቲን ሓረስቶትን ቦተኦም ገዲፎም ከምዚ ንዝበለ ልምዓት ሃገር ንክውዕል ንዝገበርዎ ኣበርክቶ አመስጊኖም።
ብወንድማገኝ ፀጋዬ