ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ብዋና ፀሓፊ ዓለም ለኸ ትካል ሕብረት ፖሊስ(ኢንተርፖል) ቫልደሲ ኡርኪዛ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩም።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤልን ፕሬዚዳንት ዩኒቨርሲቲ ፖሊስ ኢትዮጵያ ታምራት ሙሉጌታ (ዶ/ር)ን ኣቀባብላ ገይሮምሉ።
እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ፃንሒቱ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ዑደት ክገብር እዩ።
ብተወሳኺ እውን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ንኣኽበርቲ ሕጊ ሃገራት ኣባል ኢንተርፖል ደረጅኡ ዝሓለወን ልዑል ፅሬት ዘለዎን ስልጠና ብምሃብ ምስ ዝፍለጥ ግሎባል ኣካዳሚ ኢንተርፖል መረዳድኢ ሰነድ ከም ዝፈራረሙ ትፅቢት ይግበር።