ኢትዮጵያውያን መሪፆም፤ ኢትዮጵያ ተዓዊታ!

ኢትዮጵያ ካብ ዜጋታታ ብዝደለይቶ ነገር ኣብ ዝደለየቶ ኩነታትን እትረክብ ሃገር እያ። ሃገሮም ዝሓተቶም ካብ ምሃብ ንድሕሪት ዘይብሉ ዜጋታታ ስለዘለዋ ብልዑል ኮሪዓ። ካብ ዓድዋ ክሳብ ግድብ ህዳሰ፣ ካብ ወገን ንወገን ምርድዳእ ክሳብ ሓምለዋይ ኣሰር ተሳትፎ ዜጋታታ ሓቲታ፣ ካብቲ ዝደለየቶ ንላዕሊ ተዓዊታ። ሎሚ እውን ተደጋጊሙ እዩ።
ኢትዮጵያ ዲሞክራሲ ኢትዮጵያ ምንባር፣ ብግልፂን ዲሞክራስያውን መረፃ መንግስቲ ምምራፅ፣ ንሕገ መንግስታዊነት ድልዱል መሰረት ምትሓዝ ትደሊ። ነዚ ድማ 7ይ ሃገራዊ መረፃ ከም ብዓብዩ ዕድል ክትጥቀመሉ ኣድልይዋ ነይሩ፡፡ከም ግብረ መልሲ ልዕሊ 54 ሚሊየን ዜጋታት ንምምራፅ ተመዝጊቦም ንሎሚ ዕለት ክፅበዩ ፀኒሖም።
ኣብዚ ዜጋታት ንፃውዒት ኣደ ሃገር ተቐቢሎም ብብዝሒ ክመርፁ ውዒሎም፤ ሓዲሮም ኣለዉ። እዚ ኣብ ታሪኽ መረፃ ኢትዮጵያ እውን ዜጋታት ንነዊሕ ሰዓታት ታራ ሒዞም ድምፆም ዝሃብሉ መረፃ እዩ፡፡
መረፃ ከይካየድ ባዳን ባንዳን ተዋዲዶም መረፃ ከይካየድ ዘይኩዕትዎ ጉድጓድ፣ ዘየቐመጥዎ ዕንቅፋት ኣይነበረን። ኮይኑ ግና ንኢትዮጵያ ዝፀውዓቶ ፈታዊ ሃገር ኢትዮጵያውያን ግን ዘይከኣል ነገር ኣይነበረን ብዓወት ተዛዚሙ።
ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ፌዴራል
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment