ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ንምኽባር ዓለም ለኸ ሰላምን ድሕንነትን ዘለዋ ዘበናት ዝተሳገረ ግደ ብዝበለፀ ብምዝማን ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ሚኒስትር ምክልኻል ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ኣረጋጊፀን፡፡
ብሚኒስትር ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ በርሊን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኣኼባ ሚኒስትራት ምኽባር ሰላም ሕቡራት መንግስታት እናተሳተፈ ይርከብ፡፡
ኣማኻሪ ሚኒስትር ምክልኻል ስመኝ ግዛው ነዚ ኣመልኪቶም ንፋና ዲጂታል ከምዝገለፁዎ፤ እተን ሚኒስትር ኣብቲ ኣኼባ ኣብ ዘስመዐኦ መደረ ኢትዮጵያ ኣብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ካብ ዝተፀምበረትሉ ግዘ ጀሚሩ ቀዳማይ ኣስተዋፅኦ እናበርከተት ምዃነና ኣልዒለን፡፡
ኣብ ቀፃሊ ድማ እዚ ናብ ዝሐሸ ደረጃ ንምዕባይ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናናወገነት ምዃና ኣረጋጊፀን ኢሎም፡፡
ብብርኪ ዓለም ኣብ ተግባራት ምኽባር ሰላም፤ ምንካይ ሓገዝ ፋይናንስ፣ ምጉዳል ፅሬትን ተኣማናይነትን ኣፈፃፅና ንኽባር ሰላም፣ ሰላም ምኽባር ዝካየደለን ሃገራት ተሳትፎአንከጉልሃ ዘይምኽኣለን ዝብሉ ከም ማሕለኻታት ብምፅራሕ፤ መፍትሒ ንኽሰናደአለን ምሕታተን እውን ተዛሪቦም፡፡
“ኢትዮጵያውያን ብብርኪ ዓለም ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ብዲስፕሊን፣ ብቖራፅነትን ሙያዊ ብቕዓትን ብምኽባር፣ ምስ ህዝቢ ልዑል ምትእስሳር ብምፍጣር ግቡኦም እናፈፀሙ ዘኹርዕ ሽም ከምዘተረፉ እውን ገሊፀን” ኢሎም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ