ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ሓበራዊነት ሃይማኖታት ሰናይ ተመክሮ ዘለዋ ሃገር እያ ክብሉ ኣቦታት ሃይማኖት ዝተፈላለዩ ሃገራት ኣፍሪካ ገሊፆም።
ኣቦታት ሃይማኖት ንኣጀንዳ ሕብረት ኣፍሪካ 2063 ትልሚ ንምዕዋት፤ እዚ ንዘበናት ዝፀንሐ ክብሪ ኣብታ ኣህጉር ክቕፅል ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡
ናይጄሪያዊው ኣምባሳደር ሰላም ሃይማኖት ጄምስ ሞዴልውዬ (ዶ/ር)፤ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሃይማኖታት ብስኒትን ተሓቋቑፎም ዝነብሩላ ተምሳሌት ሃር እያ ክብሉ ገሊፆም።
ምስዚ ተኣሳሲሩ ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋዕን ዓብዪ ቦታ ብምሃብ ሚኒስቴሪ ሰላም ኣጣይሻ ምምራሓ ኣፅዲቆም፡፡
ኣቦታት ሃይማኖት ሰላምን ምርግጋዕን ኣህጉር ቦቖል ክብሪታት ምስ ሃይማኖት ብምሕዋስ ክሰርሑ ከምዘለዎም ምዒዶም፡፡
ብእዮናዳብ ኣንዱዓለም