ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ፊሊፖ ግራንዲ ኢትዮጵያ ስደተኛታት ተቐቢላ ብምትእንጋድ እናወገነቶ ትርከብ ተግባርን ፃዕሪን ዝድነቕ ዚዩ ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ንላዕለዋይ ኮሚሽነር ፊሊፖ ግራንዲ ኣብ ብሄራዊ ቤተመንግስቲ ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።
ኮሚሽነር ፊሊፖ ግራንዲ ድሕሪ እቲ ዘተ ከምዝገለፁዎ፤ ኢትዮጵያ ብዙሓት ስደተኛታት ተቐቢላ ኣብ ምትእንጋድ ትርከብ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ደቡብ ሱዳን፣ ሱዳንን ካልኦት ሃገራትን ስደተኛታት እናተቐበለት ከምዝኾንት ኣልዒሎም።
ኢትዮጵያ ስደተኛታት ተቐቢላ ብምትእንጋድ እናወገነቶ ትርከብ ተግባርን ፃዕሪን ዝነኣድን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ዝግበር ሓገዝ ከምዝጠናኸር ምርግጋፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ካብዚ ብተወሳኺ ስደተኛታት ብመንፅር ምቕባልን ምትእንጋድን ሰናይ ተግባር ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክፈልጥን ሓገዝ ንኽገብርን ብትኹረት ክስራሕ ኢዩ ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ፊሊፖ ግራንዲ ዝገበሩዎ ዘተ ዕዉት ከምዝነበረ እቲ ዘተ ዝተኸታተላ ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ስደተኛታትን ተመለስቲን ጠይባ ሃሰን ኣፍሊጠን።
ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርከቡ ስደተኛታት ብዝምልከት ከምኡ እውን ንስደተኛታት ሓገዝ ኣብ ዝጠናኸረሉን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ሰፊሕ ልዝብ ከምዝተገበረ ኣብሪሀን።
ብሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!