ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ናፅነታን ሉኣላውነታን ብልዑልን ሓድነት ዘለዎን ቅልፅማ ካብ ወረርቲ ብምሕላው እያ እትፍለጥ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኤክስ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ፤ ኢትዮጵያ ናፅነታን ሉኣላውነታን ብልዑልን ሓድነት ዘለዎን ቅልፅማ ካብ ወረርቲ ብምሕላው እያ እትፍለጥ፤ ናይዚ ምስጢር ድማ ህዝባ ንሰንደቕ ዕላማኦም ዘለዎም ዓሚቝ ፍቕሪን ብሄራዊ ስምዒትን እዩ ኢሎም።
እዚ ብሄራዊ ኣርማና፣ ምልክት ናፅነት፣ ማዕርነትን ፅንዓትን መላእ ፀለምቲ ህዝብታት ብምዃኑ፤ ብዙሓት ሃገራት ሕብርታቱ ኣካል ሰንደቕ ዕላማአን ገይረን ወሲደናኦ እየን፤ በዚ ድማ ልዑል ምስጋናና ንገልፅ ክብሉ ኣመልኪቶም።