ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ክእለት ካልኣይ ምዕራፍ ሓርበኝነት ከምዝጀመረት ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን፡፡
4ይ ሃገር ለኸ ውድድር ኢትዮ ክእለት “ብሩሃት ኣእምሮ ብክእለት ዝበቕዑ ዜጋታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ 27 ሚያዝያ ክሳብ 2 ግንቦት 2017 ዓ.ም ክካየድ ኢዩ፡፡
ወ/ሮ ሙፈሪሃት እቲ መርሃ ግብሪ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ ሃገር ለኸ ውድድር ኢትዮ ክእለት ፅሬት ስልጠና ንምርግጋፅ በቢክልተ ዓመቱ ከምዝካየድ ተዛሪበን።
እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ኩለን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን እንትካየድ ኣብ ዝፀነሐ ውድድር ተዓወትቲ ዝኾኑ መናእሰይ ዝሳተፉበት ውድድር ክእለት ቴክኖሎጂ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡
እቲ ውድድር ምስ ጠለብ ኢትዮጵያ ዘጠዓዓሙን ምስ ጠለብ ዕጋ ዘተኣሳስሩን ፀገም ፈታሕቲ ቴክኖሎጂታት ዘድህብ ከምዝኾነ ሓቢረን።
እቲ ውድድር ብ22 ዓውዲታ ከምዝካየድን ዓውዲ ቱሪዝም ንምንቕቓሕ ዘኽእል መርሃ ግብሪ ከምዝኾነ ኣገንዚበን፡፡
በቲ ዓውዲ ንኢትዮጵያ ምስ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክትወዳደር ዝገብራ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብቲ ውድድር 70 ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ንምርኢት ከምዝቐርቡ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡