ኢትዮጵያ እትምዕብል ሓይሊ ሰብን ተፈጥራዊ ፀጋታትን ኣዋዲዳ ብምልማዕ እዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኢትዮጵያ እትምዕብል ናይ ባዕልና ሓይሊ ሰብን ተፈጥራዊ ፀጋታትን ኣዋዲድና ብምልማዕ እዩ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡

‘ብሩህ ኣእምሮ፣ ክኢላታት ዜጋታት’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ ዓውደ ርእይ ቴክኒክን ሞያን ቴክኖሎጂ ብዕሊ ተኸፊቱ።

ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ትካላት ቴክኒክን ሞያን ንብልፅግና ሃገር ዘለዎም ግደ ብግቡእ ብምግንዛብ ነቲ ዓውዲ ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ብምስራሕ ብሉፅ ውፅኢት ምመዝጋቡ ተሓቢሩ፡፡

ምምሕዳር እቲ ከተማ ዘካይዶም ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ውሽጢ ትካላት ቴክኒክን ሞያን ስራሕቲ ኢድ ስራሕ ዝኾኑ ተተካእቲን ፅርየት ዘለዎም እታወታትን ካብ ምቕራብ ጀሚሩ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ንምፍራይ ኣብ ብዙሓት ስራሕቲ ኣሰር የንብሩ ኣለው፡፡

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓውደ ርእይ ዘቕረቡ ስራሕቲታ ቴክኖሎጂ እጃሞም ንዘወፈዩ ኣካላት ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

ኣብቲ ዓውደ ርእይ ዝቐረቡ ቴክኖሎጂታት ብልፅግና ሃገርና ዝዕወት ብፍልፍል ቴክኖሎጂ ኢትዮጵያውያን ዝኾኑ ዓብዩ መርኣያ እዩ ኢለን፡፡

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FFBC TigrignaYouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment