ዞባ ምብራቕ ኣፍሪካ ጂኦፖለቲካዊ ኣቀማምጣኣ ኣዚዩ ስትራቴጂካዊ እዩ።
ብኻሊእ መዳይ ድማ በቢእዋኑ ብዝቕስቀሱ ጎንፂታት፣ ግብረ ራዕዲን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ዝፍለጥ ቅልውላው ዝበዝሖ ከባቢ ኢዩ።
ኣብዚ ዝተሓላለኸ ዞባ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ህዝብ፣ ኢኮኖሚያዊ ዓቕማን ታሪኻዊ ኣመፃፅኣኣን ብዝረኸበቶ ተፈጥሮኣዊ እጃማ ምኽንያት ብምግባር ዋሕስን ቀንዲ ዓምዲ ሰላምን ምዃና ግልፂ ኢዩ።
ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ወታደርን ፖሊስ ሰራዊትን ብምውፋር ካብ ዓለምን ኣፍሪካን ቀዳመይቲ እያ ሃገር እያ። ኣብ ሶማሊያ፣ ደቡብ ሱዳንን ኣብ ሱዳን ግዝኣት ኣብዬን ዘዋፈረቶም ሓይሊታት ዓቅብቲ ሰላም ድሕንነት እቲ ዞባ ካብ ምሕላው ሓሊፉ ግብረ ራዕዲ ኣብ ምክልኻል ዘይትካእ ግደ ኣበርኪቶም ኢዮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀቀረብ ሓይሊ፣ ትራንስፖርትን ርክብ ህዝቢ ምስህዝቢን እቲ ዞባ ንምትእስሳር ስራሕ እናሰርሐት ትርከብ። ንሃገራት ጅቡቲ፣ ሱዳንን ኬንያን እተቕርቦ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ብዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኣቢላ ጠለብ ሓይሊ እቲ ዞባ ንምምላእ እትገብሮ ፃዕሪ ምትእስሳር ኢኮኖሚ ብምፍጣር ጎንፂታት ናይ ምንካይ ዓቕሚ ኣለዎ።
ኣብቲ ዞባ ካብ ዝርከባ ጎረባብቲ ሃገራት ደቡብ ሱዳን፣ ሶማሊያ፣ ኤርትራን ሱዳንን ብምኽንያት ኲናትን ድርቂን ዝተመዛበሉ ብሚሊየን ዝቑፀሩ ስደተኛታት ብልግሲ ብምትእንጋድ እቲ ቅልውላው ናብ ካሊእ ከባቢ ከይስፋሕፋሕ ብምግባር ልዑል ሰብኣዊ ውሕና ኮይና ኢያ።
ኣባልን ዋና መቐመጢትን ሕብረት ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣባል ሃገር ኢጋድ ብምዃና፣ ኣብ ሞንጎ ጎረባብቲ ሃገራት ዝለዓሉ ዘይምርድዳኣት ብዘተን ብዲፕሎማሲን ንምፍታሕ ምቹው መድረኽ ትፈጥር። ኣብ ከይዲ ስምምዕነት ሰላም ደቡብ ሱዳን ዝነበራ እጃም ነዚ መረጋገፂ ኢዩ።
ብሓፈሻ ምብራቕ ኣፍሪካ ክረጋጋእ ኣብ ምግባር ናይ ኢትዮጵያ ኣበርክቶ ልዑል ኢዩ።