ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ ኣብ 8ይ ሰሙን መደብ ፀወታ ኣርሰናል ንኤቨርተን 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ።
ምሸት ሰዓት 11፡00 ኣብ ስታድዩም ኤሚሬትስ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ኣርሰናል ንኤቨርተን ብምስዓር ኣገዳሲ ሰለስተ ነጥቢ ኣመዝጊባ።
ኣብቲ ፀወታ ንኣርሰናል ዓወት ዘረጋገፁ ሸቶታት ኤዝሪ ኮንሳን ጋብሬል ማጋልሄስን ኣብ መርበብ ሸቶ ኣእትዮም።
ኣርሰናል ብምስዓራ ምስ መራሒ ሊግ ማንቼስተር ሲቲ ዘለዎ ናይ ነጥቢ ፍልልይ ናብ ዜሮ ብምውራድ፣ ብፍልልይ ሸቶታት ተበሊፃ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ተሰሪዓ።
ቅድሚኡ ኣብ መደብ ፀወታ ሰዓት 8፡30 ኣብ ዝተካየደ ኣስቶን ቪላ ንማንቼስተር ሲቲ 2 ን 1 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ።
ካልእ ናይታ ዕለት ብብዙሓት ዝፅበ ፀወታ ድማ ኣብ ለንደን ደርቢ ቼልሲ ምስ ቶተንሃም ሆትስፐር ዝገብርዎ ግጥም ኮይኑ እቲ ፀወታ ምሸት ሰዓት 1፡30 ክካየድ እዩ።