ኣርሰናል ምስ ቦሩስያ ዶርትሙንድ – ትፅቢት ዝግበረሎም ፀወታታት ሻምፒዮንስ ሊግ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 5ይ ዙር ፀወታታት ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ትሽዓተ ፀወታታት ክካየዱ እዮም።

ኣርሰናል ኣብዚ ዓመት ውድድር ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ዘለዋ ናይ ዘይምስዓር ጉዕዞ ንምቕፃል ምሸት ሰዓት 5፡00 ኣብ ሜድኣ ንቦሩስያ ዶርትሙንድ ክተተኣናግድ እያ።

ክልቲአን ጋንታታት ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ናይ ሕድሕድ ፀወታአን፤ ኣርሰናል ሰለስተ ግዘ እንትትዕወት ዶርትሙንድ ድማ ክልተ ግዘ ተዓዊታ።

ኣብ ካልእ ናይ ምሸት ፀወታ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ካብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ፀወታታት ዋላ ሓደ ግዘ ክትዕወት ዘይከኣለት ማንቸስተር ሲቲ ንናፖሊ ክተተኣናግድ እያ።

ክልቲአን ጋንታታት ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበረኦ ሓሙሽተ ፀወታታት፤ ሲቲ ሰለስተ ግዘ ክትዕወት እንተላ ኣብ ሓደ ማዕረ ተፈላየን ሓደ ግዘ ድማ ናፖሊ ተዓዊታ።

ሪያል ማድሪድ ምስ ፒኤስቪ፣ ፌይኖርድ ምስ ፖርቶ፣ ስሎቫን ብራቲስላቫ ምስ ሪያል ቤቲስ፣ ኣርቢ ሌፕዚግ ምስ ሎንስ፣ ኮሞ ምስ ኤኢኬ ኣቴንስ ብተመሳሳሊ ሰዓት ምሸት 5፡00 ዝካየዱ ፀወታታት እዮም።

ቅድሚ እዞም ፀወታታት ጋላታሳራይ ምስ ኣስቶን ቪላ፣ ከምኡ እውን ቦዶ ግሊምት ምስ ላስክ ምሸት ሰዓት 2፡45 ፀወታአን ከካይዳ እየን።

Comments (0)
Add Comment