ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 30 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኣርባ ምንጭ ከተማ ንመቐለ 70 እንደርታ 2 ን 0 ስዒራ።
ክልቲአን ጋንታታት ካብ ቀትሪ ሰዓት 10 ጀሚረን ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ፀወተአን ዘካየዳ እንትኾና÷ ኣርባ ምንጭ ከተማ ዝተዓወተትለን ሸቶታት ኣብዱል ራህማንን ኣሸናፊ ፊዳን ኣመዝጊቦምወን።
ፀወታ እንትቕፅል ምድረ ገነት ሽረን ባህር ዳር ከተማን ካብ ምሸት ሰዓት 12 ጀሚረን ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ እነታፃወታ ይርከባ።
ቅድም ክብል ኣብ ዝተገበሩፀወታታት እቲ ሊግ ድሬዳዋ ከተማን ኢትዮጵያ ቡናን ብዘይሸቶ ባዶ ንባዶ ማዕረ እንትፈላለያ÷ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንቅዱስ ጊዮርጊስ 2 ን 0 ስዒራ።