ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ዜጋታት ጭፍጨፋ ዝፍፅም ግብረ ራዕዲ ህወሓት ምጥፋእ ኣማራፂ ዘይብሉ ጉዳይ ከምዝኾ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ሜጀር ጀነራል እንዳልካቸው ወልደኪዳን ገሊፆም።
ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣዋሽ ኣርባ መሰረታዊ ስልጠና ቴክኒክ ውትድርና ዘሰልጠኖም ወታደራት ኣመሪቑ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ዝተረኸቡ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ምድሪ ሜጀር ጀኔራል እንዳልካቸው ወልደኪዳን፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ተግባራት ግብረ ራዕዲ ኣጠናኺ ከምዝቐፀለ ገሊፆም።
እቲ ጉጅለ ንብረት ህዝቢ ብምዝራፍ፣ ብምዕናው፣ ንሓረስቶት ንሞትን ንስደትን ከምዘቃለዐ እውን ሓቢሮም፡፡
እቲ ጉጅለ ብሓይሊ ኣብ ዝሓዞም ከባቢታት ወሎ፣ ጎንደርን ብዘይ ርህራሄ ሰብ ዝቐትል ኣረመኔያዊ ግብረ ራዕዲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም
እቲ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ እንተዘይጠፊኡ ሰላምን ምዕባለን ሃገር ኣይሕሰብን ዝበሉ እቶም ሜጀር ጀነራል፥ እቲ ጉጅለ ካብ ምድረ ገፅ ምጥፋእ ኣማራፂ ዘይብሉ ጉዳይ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
ተመረቕቲ ነቲ ጉጅለ ጥፍኣት ሙሉእ ብሙሉእ ንምጥፋእ ኣብ ወርቃዊ ግዘ ወታደራዊ ጥበብ ቀሲሞም ንምርቓት ምብቀዖም ዘኹርዕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ተመረቕቲ ብግደኦም፥ ልኡኽተኦም ብምፍፃም ንኢትዮጵያውያን ዜና ዓወት ንምብሳር ድሉዋት ከምዝኾኑ ምግላፆም ግዚኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።