ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መበል 24 ሻምፒዮን ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ዝሳተፉ ጉጅለ ልኡኽ አትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፅባሕ ናብቲ ቦታ ከቕንዑ እዮም፡፡
እዚ ውድድር ኣብ ርእሰ ከተማ ጋና ኣክራ ካብ 4 ክሳብ 9 ግንቦት 2018 ዓ.ም.ፈ ክካየድ እዩ።
ትማሊ ምሸት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ስነ ስርዓት ምፍናው ዝተኻየደ እንትኾን፤ እቶም ኣትሌታት ሽም ሃገሮም ንምፅዋዕ ሓደራ ተቐቢሎም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ካሜሮን ከተማ ዶዋላ ኣብ ዝተኻየደ መበል 23 ሻምፒዮን ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ብ5 ወርቂ 4 ብሩርን 1 ነሓስን መዳልያታት ብምምዝጋብ ካብ ኣፍሪካ 4ይ ደረጃ ሒዛ ምዝዛማ ይዝኸር።