ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ፕራግ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም።
ኣብ ምድብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ለሚ ብርሃኑ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 14 ሴኮንድን ብምእታው ውድድሩ ብዓወት ዛዚሙ።
ኣትሌት ለሚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር ማራቶን ፕራግ ተዓዋቲ ከምዝነበረ ተገሊፁ።
ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ብርቱካን ወልዴ 2 ሰዓት 20 ደቒቕን 55 ሴኮንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ውድድራ ብፀብለልታ ዛዚማ።