ኣብ ማራቶን ፕራግ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ፕራግ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ፆታ ተዓዊቶም።

ኣብ ምድብ ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣትሌት ለሚ ብርሃኑ 2 ሰዓት 5 ደቒቕን 14 ሴኮንድን ብምእታው ውድድሩ ብዓወት ዛዚሙ።

ኣትሌት ለሚ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ውድድር ማራቶን ፕራግ ተዓዋቲ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ብደቂ ኣንስትዮ ድማ ኣትሌት ብርቱካን ወልዴ 2 ሰዓት 20 ደቒቕን 55 ሴኮንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምእታው ውድድራ ብፀብለልታ ዛዚማ።

Comments (0)
Add Comment