ኣብ ኢትዮጵያ ዝምዘዙ ኣጀንዳታት ብብቕዓት ምምኻት ጠመተ ክውሃቦ ይግባእ – ለገሠ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያን ብሄራዊ ረብሓታትን ዝምዘዙ ኣጀንዳታት ብብቕዓት ምምኻት ጠመተ ክውሃቦ ከምዝግባእ ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ኣገንዚቦም፡፡

ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን እቲ ግልጋሎት” ማእኸላይ ዘበን” ብዝብል ርእሲ ዝተሰናድአ ሃገራዊ ሰነድ ኣብ ዝተዛተይሉ እዋን ለገሠ ቱሉ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ዝተውሃቦም ሓላፍነት ብብቕዓት፣ ፅርየትን እዋኑ ዝሓለወን ብግቡእነት ምውፃእ ተተኻኢሉ ሕልሚታት ብልፅግናፅ ኢትዮጵያ ዘዕውቱ ምዃኖም ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተረኸቡ ዓወታት ምስኽር እዮም፡፡

ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ኣብቲ ዓውዲ ዝተውሃቦ ሓላፊነት ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ብምግንዛብ፣ ፖሊሲታት መንግስቲ፣ ተበግሶታት፣ ትልምታት፣ ኣፈፃፅማታትን ውፅኢታትን ምፍላጥ ምዃኑ ዝሓበሩ ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) እቲ ዓውዲ ኣብ ኣጀንዳ ንምምራሕን ብሄራዊ ረብሓ ኢትዮጵያን ዝዛመዱ ኣጀንዳታት ብብቕዓት ምርኣይ ጠመተ ክውሃብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ነቲ መድረኽ መዛተይ ሰነድ ዘቕረቡሚኒስትር ድኤታ ተስፋሁን ጎበዛይ ድማ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 7 ዓመታት ዝተሰርሑ ዘርፈ ብዙሕ ስራሕቲ ካብ ዝነበረሉ ኩነታ መሰረታዊ ብዝኾነ መልኽዑ ዕብየት እናመዝገበት ምዃና ብምሕባር እዚ ለውጢ ንቀፃሊ ናብ ዘይምለስ ደረጃ ንምብፃሕ ኣብ ውሽጥን ደገን ዘለው ክፍተታትን ተቓላዕነትን ፈልዩ ብምውፃእ ምስራሕ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

“ሃገርና ንከይዲ ለውጢ ዘሕለፈቶ ንሓይልታት ለውጢ ብምስዓር መስርሕ ለውጢ ሓሊፋ ጥራሕ ዘይኮነትስ፤ብዙሓት ተፈጥሮኣውን ሰብ ስራሕን ጎንፂታት ፈተናታት ምስጋራ እውን እዩ፡፡

ድርቂ፣ ዕስለ ኣንበጣ በረኻ፣ ለበዳ ኮቪድ-19፣ ጎንፂን ምምዝንባልን ነቲ ለውጢ ዝፈተኑ ጉዳያት እዮም ነይሮም” ኢሎም።

እቲ ህዝቢ ንለውጢ ዘለዎ ድሌትን ተወፋይነትን ቆራፅ ኣመራርሓን ብስለትን ዝተመልኦ ኣመራሓ እቲ ለውጢ ናብ ልዑል ብርኪ ምስግጋሩ ኣይተ ተስፋሁን ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኣመራርሓታትን እቲ ግልጋሎትን ሰብ ሞያታትን ብዙሓት ጉዳያት እቲ ሰነድን ተጨባጢ ኩነታት ዳህሳስን ዘገናዘበ ምዃኑ ገሊፆም፡፡ሃገራዊ ጉዕዞ ለውጢ ዘለዎ ብርኺ ኣብ ቀፃሊ ዝሓቶ ፃዕሪ ብዕምቆት ከምዝተረድኡ ተዛሪቦም፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment