ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ብምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንህፃናት ኩለመዳያዊ ዕብየት ትኹረት ተዋሂብዎ ይስራሕ ኣሎ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
ኮንፈረንስ ሓለዋ ህፃናት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣብቲ እዋን ከምዝበልኦ÷ ህፃናት ኣፍሪካ ንመፃኢ ዝተመሓየሸ ህይወት ብምግባር ምትሕብባርን ተግባራዊ ስጉምቲ ምውሳድ የድሊ፡፡
ህፃውንቲ ምዕባይ ናይ ሓደ ወገን ግዴታ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ሓባር ሓላፍነት እዩ ዝበላ እተን ከንቲባ÷ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ህፃናት ብምትሕብባር ብሕብረት ንምዕባይ ኣፍሪካዊ ባህሊ ሕዚ ምስ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት ምትእስሳር ይግባእ ኢለን፡፡
ህፃናት ኣብዚ ሕዚ እዋን ደረጃ ዕድሚኦም ግቡእ ሓለዋን ክሕብሕቡን ከምኡ እውን ክብሪ ረኺቦም ክዓብዩ እዩ ዝብል ምርግጋፅ ይግባእ ኢለን፡፡
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንህፃናት ኩለንተናዊ ዕብየት ትኹረት ምሃቡ ዘረድኣ እተን ከንቲባ፤ ብ100 ሺሕ ዝቑፀሩ ተመሃሮ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ግልጋሎት ምገባ ከምዝረኽቡ ተዛሪበን፡፡
እቲ መርሃ ግብሪ ህፃናት ካብ ዕሸል ዕድሚኦም ጀሚሮም ብኣካል፣ ብኣእምሮን ስነ ልቦናን ጎልቢቶም ክዓዩ የኽእል ምባለን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ንፋና ዲጂታል ገሊፁ፡፡
ብመላኩ ገድፍ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!