ኣብ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ፅዕንቶ ኣብ ልዕሊ ዘብፅሑ ኢንዱስትሪታት ተሓታትነት ንምዕሳል ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ተጠቀምቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ መንቀሊ ብኽለትን ብኽነትን ዝኾኑ ኣካላት ግቡእ ክፍሊት ክኸፍሉ ብምግባር ኣብ ፍቓድ ዝተደረኸ ኣጠቓቕማ ማይ ንኽህልው ንምኽኣል ይስራሕ ከምዘሎ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ገሊፁ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምምሕዳር ሃፍቲ ማይ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ደበበ ደፈርሶ፥ ከርሰ ምድሪ ማይ ኣብ ከይዲ እናነከየ ዝኸይድ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ዓበይቲ ኩባንያታት ሓዊሱ ከርሰ ምድሪ ማይ ዘይውዳእ እታዎት ተገይሩ ከመዝውሰድ ተዛሪቦም።

ተጠቀምቲ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምዃን መንቀሊ ብኽለትን ብኽነትን ዝኾኑ ኣካላት ግቡእ ክፍሊት ክኸፍሉ ኣብ ምግባር ኣብ ፍቓድ ዝተደረኸ ኣጠቃቕማ ማይ ክህልው እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብራህሪሆም፡፡

ፕሬዚዳንት ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ችሮታው ኣየለ (ዶ/ር) ብግዲኦም፥ ንኣጠቓቕማ ሃፍቲ ማይ ፅዕንቶ ዘብፅሑ ኢንዱስትሪታት ሕጊ ወፂኡሎም ብደንቢን መምርሒን ክመሓደሩ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡

ኢንዱስትሪታት ንዕብየት ሃገር ዝረብሑከምዝኾኑን ከባቢ ብዘይጎድእ መልክዑ ክሰርሑ ከምዘለዎምን ኣብ ዓለም ለኸ ሕጊ ከባቢ ምድንጋጉ ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ገሊፆም፡፡

ማሕበረሰብ ተፈጥሮኣዊ መማረፂታት ኣብ ረብሓ ንምውዓል ዘኽእልን ዘላቒነት ዘለዎን ምምሕዳር ምኽታል ከምዘድሊ ብምግላፅ፥ መንግስቲ እውን ግቡእ ስጉምቲ ብምውሳድ ተሓታትነት ሕጊን ብሕጊ ናይ ምግዛእ ስርዓትን ከጠናኽር ከምዝግባእ ኣረዲኦም፡፡

 

ብዮናስ ጌትነት

 

Comments (0)
Add Comment