ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ክልል ትግራይ ተቛሪፁ ዝፀንሐ ተሃድሶን መሊስካ ምጥያሽን ነበር ዕጡቓት ዳግማይ ስልጠና ጀሚሩ፡፡
ሕብረት ኣፍሪካን ትካላት ዓለም ለኸ ተዓዘብቲን ተወከልቲን ንነበር ዕጡቓት ክልል ትግራይ ዝውሃብ ተሃድሶን መሊስካ ምጥያሽን ከይዲ ስልጠና ተዓዚቦም፡፡
ኣብቲ ትዕዝብቲ ብሄራዊ ተሃድሶ ኮሚሽነር ተመስገን ጥላሁን፣ ቢሮ ሓላፊ ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌተናል ጄኔራል ፍስሀ ኪዳኑ፣ ምቁፅፃር ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ሓላፊ ልኡኽ ምርግጋፅን ምኽባርን ልኡኽቶ ሜጄር ጄኔራል ሳማድ አላዴ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኸን ትካላት ልምዓት ተወከልቲ ሃገራት ተረኺቦም፡፡
ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣብ ክልል ትግራይ ንነበር ዕጡቃት ዝውሃብ ተሃድሶን መሊስካ ምጥያሽን ስልጠና ተቛሪፁ ምፅንሑ ይፍለጥ፡፡
ብምዃኑ ነበር ዕጡቓት ምርግጋፅ፣ ዲሞቢላይዝ ምግባር፣ ምምዝጋብን ስልጠና ተሃድሶ ብምሃብ ናብ ማሕበረሰብ ናይ ምሕዋስ ስራሕ ዳግማይ ሎሚ ኣብ ማእኸል ዲሞቢላይዜሽን መቐለ ምጅማሩ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡