ኣብ ወርሒ ሚያዚያን ግንቦትን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ትርጉም ዘለዎም ስጉምቲታት ተኻይዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ወርሒ ሚያዚያን ግንቦትን 2017 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ትርጉም ዘለዎም ስጉምቲታት ከምዝተኻየዱ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፍሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣበይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብተን ኣዋርሕ ኣብ ለምዓት ኢኮኖሚ፣ ምዕባለ ቴክኖሎጂ፣ ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲን ሃገራዊ ልምዓትን ናይ መንግስቶም ፅኑዕ ቅዋም ዘርእዩ ተኸታተልቲ ተግባራት ምክያዶም እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

ናይቲ ወርሒ ተግባር ኣብ መበል 44 ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት መጅማሩ ብምግላፅ፥ ቁልፊ ዝኾኑ ሃገራዊ ቀዳምነት ዝወሃቦም ዛዕባታት ዘተ ከምዝተገበረሎም ሓቢሮም።

ደሕሪ እዚ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ 2017 ብዕሊ ዝተኸፈተ እንትኸውን፥ ንመበል ሳልሳይ ተኸታታሊ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ እቲ ኤክስፖ፣ 288 ሃገር ቦቆል ኣፍረይቲ ኣብ ምዕባይ ዘሎ ፍሪያታት ዓውዲ ኢትዮጵያ ተፍሪ ኣቕሪቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መኽፈቲ መደረኦም፥ ኣድላይነት ሽግግር ኢኮኖሚ ኣፅንኦት ሂቦም ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ናይ ሃገር ምርግጋዕ ካብ ኢኮኖሚ ምዝማን ወፃእ ክዕወት ከምዘይኽእል ገሊፆም።

ሎምዘበን ትፅቢት ዝግበረሉ 12 ሚኢታዊ ምዕባለ ሓዊሱ ኣብቲ ዓውዲ ትፅቢት ዝግበር ምዕባለ ብምግላፅ እውን ዓቕሚ ብኣግባቡ ናይ ምጥቃም ልምምድ ምውሳኹን ምውሳኽ ኣታዊን ሓቢሮም።

መንግስቲ ኣብ ግብርና ከም ኣግሮ ፕሮሰሲንግ ቴክኖሎጂ ናይ ምዝማንን ፈጠራ ናይ ምምዕባልን ስራሕ ቀዳምነት ከምዝሃበ እውን ተገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዓውዲ ልምዓት ቴክኖሎጂን ዲጂታልን ኣብ ”ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ንኣፍሪካ” መርሃ ግብሪ ኣብ ”ቴክኤክስፖ 2025” ቁልፊ መደረ ኣስሚዖም።

ኣፍሪካ ስነ ምግባር ብዝሓለወ መገዲ፣ ሓቛፊን ዘላቕነት ዘለዎን ናይ ባዕላ መገዲ መፃኢ ምዕባለ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ቅርፂ ናይ ምሃብ ዕድል ከምዘለዋ ኣፅንኦት ሂቦም ተዛሪቦም።

ከም ናይ ኢትዮጵያ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢንስቲትዩት፤ ፕሮግራም ዲጂታል መለለዪ ማንነት(ፋይዳ)ን መርሃ ግብሪ ሓሙሽተ ሚሊየን ኮደርስን ብምግላፅ ኢትዮጵያ ናይ ዲጂታል ፈልጠት ዝጨበጠ ናይ ፅባሕ ትውልዲ ኣብ ምህናፅ ዘለዋ ግደ ገሊፆም።

ኣብ ፍርቂ እዚ ወርሒ ኢትዮጵያ ጉባኤ ኣይ ዲ 4 ኣፍሪካ (ID4Africa) 2025 ዘሰናደአት እንትትከውን፥ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ሰርዓት ፋይዳ ዲጂታል ናይ ምሽጋር ዓቕሚ ኣረዲኦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ቴክኖሎጂ ተዛሚዱ ኣብ ‘Tech Talk with Solomon’ ቃለ መሕትት ገይሮም ነይሮም።

ኣብ መበል 116 ብሄራዊ መዓልቲ ፖሊስ በዓል ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ኣብ መደረኦም ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ክህሉ ዝግበኦ ዝፀንሐ ምትሕብባር ፃውዒት ኣቕሪቦም፤ ናይ ፖሊስ ናይ ሃገር ሉእላውነትን ሓድነትን ናይ ምሕላው ሓላፍነት ደጊሞም ኣረጋጊፆም።

ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲ ናይ ወርሒ ግንቦት ካሊእ ጠመተ ነይሩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝገበርዎ ዑደት ስራሕ ምስ ፕሬዚዳንት ኢማኑኤል ማክሮን ተራኺቦም ከልቲኣዊ ስምምዕነት ኣፈፃፅማ ገምጊሞም።

ከም ስቴሽን ኤፍ፣ ኖኪያ ፍራንስን ታሌ ናይ ምርምርን ቴክኖሎጂ ማዕኸል ዝበሉ ናይ ቴክኖሎጂ ትካላት ዑደት ገይሮም ብኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ሳይበር ድሕንነትን ቴሌኮሙኒኬሽንን ዝተርኣዩ ፈጠራታት ርእዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ፈረንሳይ ካብ ዝነበሮም ፃንሒት ቀፂሎም ናብ ሮም ዘቕንዑ እነትኾኑ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን  ጂኦርጂያ ሜሎኒ ተዛቲዮም።

ክልቲአን ሃገራት ዝነበረን ናይ ነዊሕ እዋን ርክብን ምትሕብባርን በዝበለፀ ንምጥንኻርን ዕድላት ኢንቨስትመንት ንምስፋሕን ኣብ ዘኽእሉ መገዲታት ዘተ ገይሮም።

ጣሊያን ኣብ ኢንዱስትሪን ልምዓትን ኢትዮጵያ ቁልፊ ኣጋር ምዃና ቀፂላ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ናብ ኢትዮጵያ ምስተመለሱ እውን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ስፔስን ጂኦስፓሻል ኢንስቲትዩትን ዑደት ገይሮም።

ኣብቲ ትካል ኣብ ስራሕ ዘሎ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ኣጠቓቕማን መረዳእታ ጂኦስፓሻልን ንሃገራዊ ትልሚ፣ ቅድመ ግምትን ስራሕቲ ምድላው ሓደጋን ዝውዕለሉ መገዲ ገምጊሞም።

እቲ ዑደት መንግስቲ ኣብ ሳይንስ ዝተደረኸ ፖሊሲን ውሂብ ሓበሬታን ዝተደረኸ ናይ ኣመራርሓ ስራሕ ንምክያድ ዘለዎ ኣፅንኦት ዘረጋገፀ ነይሩ።

ኣብቲ ወርሒ ኣብ ዝገበርዎ ልዑል ዲፕሎማ፥ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣንጎላን ፍሉይ ልኡኽ ፕሬዚዳንት ጁኣዎ ሎሬንቾን ቴቴ ኣንቶኒዮን ዘቲዮም።

ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌድዮን ሳር እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣሳሊጦም።

ብሚኒስትር ኳታር  ዶክተር መሃመድ ቢን ኣብዱልኣዚዝ ኣልካሊፊ ኣቕራብነት ካብ ናይ ኳታር ኣሚር ዝተልኣኸ መልእኽቲ እውን ተቐቢሎም።

ብሓፈሻ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ወርሒ ሚያዚያ/ግንቦት ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስፈሕ ዝበሉ ተግባራት ዘካየድሉ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ትርጉም ዘለዎም ስጉምቲታት ዘካየድሉ፣ ኣብ ዓውዲ ዲጂታልን ምህዞን ምዕባለታት ዝተመዝገብሉ ኢሉ እውን ኣብ ዓለም ለኸ መድረኻት ምትሕብባራት ዝጠንከሩሉ ወርሒ ነይሩ።

#PMOEthiopia

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment