ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘጋጥሙ ተለዋዋጢ ብድሆታት ንምፍታሕ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ወሳኒ እዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ )ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘጋጥሙ ተለዋዋጢ ብድሆታት ንምፍታሕ ንምውፃእን ስርዓተ ጥዕና ንምጥንኻርን ወሳኒ እዩ ኢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ዋና ዳይሬክተር ማእከል ምቁፅፃርን ምክልኻልን ሕማማት ኣፍሪካ (ኣፍሪቃ ሲዲሲ) ዶ/ር ዣን ካሴያ ኣብ ዝተፈላለዩ ቀዳምነታት ዝወሃቦም ጉዳያት ከምዝዘተዩ ገሊፆም፡፡
ብፍላይ ኣብ ኣፍሪካ ስብ ስራሕ ብልሒ (AI)ን ዲጂታላዊ ጥዕናን መራሒ ብምኳን ዝተውሃኒ ሓላፍነት ብዝምልከት ሰፊሕ ዘተ ኣካይድና ኢሎም።
ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘጋጥሙ ዘለዉ ተለዋዋጢ ብድሆታት ንምፍታሕ፣ ስርዓት ጥዕና ንምጥንኻር፣ ተበፃሕነት ንምስፋሕ፣ ንህዝብና ዝሓሸ ውፅኢት ንምምዝጋብ ሓይሊ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ዲጂታል ቴክኖሎጂን ምጥቃም ኣገዳሲ ምዃኑ ገሊፆም።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment