ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ ክልል ኣምሓራ ግዚያዊ ውፅኢታት መረፃ እናተለጠፉ እንትኾኑ፤ መረፅቲ እውን ውፅኢት ይምልከቱ ኣለዉ፡፡
በዚ ድማ ኣብ ከተማታት ባህርዳር፣ ጎንደር፣ ደብረ ታቦር፣ ደብረ ማርቆስ፣ ቡሬ፣ ሃይቅ፣ ከሚሴ፣ ኮምቦልቻን ቻግኒን ኣብ ዝርከቡ ጣቢያታት መረፃ ዝርከቡ ግዚያዊ ውፅኢት መረፃ ዕላዊ ኮይኖም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዞባ ማእኸላዊ ጎንደር ወረዳ ኣርማጭሆ፣ ዞባ ምብራቕ ጎጃም ክልል መረፃ ደጀን፣ ዞባ ሰሜን ጎጃም ወራዳ ሰሜን ኣቸፈር ኣብ ክልል መረፃ ሊበን ኣብ ዝርከቡ ጣቢያታት መረፃ ቆፀራ ድምፂ ተዛዚሙ ግዚያዊ ውፅኢት እናተገለፀ ይርከብ።