ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣሜሪካ፣ ካናዳን ሜክሲኮን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ውድድር ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ እውን ትፅቢት ዝግበረሎም ናይ መወዳእታ ምድብ ፀወታታት ክቕፅሉ ኢዮም፡፡
ኣብ ምድብ ትሽዓተ ዝርከባን ዝሓለፉ ክልተ ፀወታታት ብምዕዋት ኣቐዲመን ናብ 32 ዝተፀምበራ ፈረንሳይን ኖርዌይን ነቲ ምድብ ብፀብለልታ ንምዝዛም ክነሓንሓ ኢየን፡፡
ኣብዚ ዓመት ፅዋዕ ዓለም ንሃገሮም ብተመሳሳሊ ኣርባዕተ ሸቶታት ዘመዝገቡ ኪሊያን ምባፔን አርሊንግ ሃላንድን ምሸት ሰዓት 4 ዝካየድ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ኣብቲ ምድብ ብተመሳሳሊ ሰዓት ምስ ኢራቕ ትራኸብ ኣፍሪካዊት ሃገር ሴኔጋል ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ እንተስዒራ ዝሐሸት ሳልሰይቲ ብምዃን ናብ 32 ሃገራት ንምፅምባር ዝሐሸ ዕድል ኣለዋ፡፡
ክሳብ ሕዚ ዝሓለፈት ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ዘይተፈለጠሉ ምድብ ሸሞንተ ስፔን ምስ ዩራጓይ ከምኡ እውን ኬፕ ቨርዴ ምስ ስዑድ ዓረብ ለይቲ ሰዓት 9 ፀወታአን ከካይዳ ኢየን፡፡
ኣርባዕተ ነጥቢ ብምእካብ ንምድብ ሸውዓተ እናመርሐት ትርከብ ግብፂ ፅባሕ ወጋሕታ ሰዓት 12 ምስ ኢራን ትራኸብ እንትትከውን፥ ቤልጂየም ምስ ኒውዚላንድ ብተመሳሳሊ ሰዓት ክራኸባ ኢየን፡፡
ክሳብ ሕዚ ሜክሲኮ፣ ኣሜሪካ፣ ካናዳ፣ ጀርመን፣ ኣርጄንቲና፣ ፈረንሳይ፣ ኖርዌይ፣ ኮሎምቢያ፣ ስዊዘርላንድ፣ ቦሲኒያ ሄርዞጎቪና፣ ብራዚል፣ ሞሮኮ፣ ደቡብ ኣፍሪካ፣ ኤኳዶር፣ ኮትዲቯር፣ ኔዘርላንድስ፣ ጃፓን፣ ስዊድን፣ ኣውስትራሊያ ካብ ምድበን ምሕላፈን ዘረጋገፃ ሃገራት ኢየን፡፡