ኣብ ፅዋዕ ዓለም ኣርጀንቲና ምስ ኦስትርያ ከምኡ እውን ኖርዌይ ምስ ሴኔጋል ክራኸባ ኢየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)12 መዓልቲ ዝበፅሐ መበል 23 ውድድር ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ መሸት ኣርጀንቲና ምስ ኦስትሪያ ትገብሮ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሎም፡፡

ኣብ ስታዲየም ዳላስ ምሸት ሰዓት 2 ኣብ ዝግበር ፀወታ ኣርጀንቲና እንተተዓዊታ ናብ ፀወታ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ምእታዋ ክተረጋግፅ ኢያ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኣብቲ ውድድር 16 ሸቶታት ብምምዝጋብ ምስ ጀርመናዊ ሚሮስላቭ ክሎስ ክብረ ወሰን ዝተኻፈለ ሊዮኔል ሜሲ፤ ኣብዚ ፀወታ ሸቶ ከመዝግብ እንተኽኢሉ ኣብ ፅዋዕ ዓለም ዝለዓለ ሸቶ ዘመዝገበ ብሕታዊ ተፃዋታይ ክኸውን ኢዩ፡፡

ኣብ ካሊእ ውድድር ናብ ፅባሕ ክወግሕ ምስበለ ኖርዌይ ምስ ሴኔጋል ዝገብረኦ ፀወታ ልዑል ትፅቢት ዝግበረሉ እንትኸውን፤ ኖርዌይ እንተስዒራ ብቀጥታ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ምእታዋ ክተረጋግፅ ኢያ።

ብወገን ሴኔጋል ኣብዚ ፀወታ ስዕረት እብተተኣናጊዳ ካብቲ ውድድር ክትሰናበት ኢያ፡፡

ቅድሚ እዚ ፀወታ ፍርቂ ለይቲ ሰዓት 6 ፈረንሳይ ምስ ኢራቕ ክትራኸብ ኢያ፡፡

ኣብ ፈላማይ ናይ ምድብ ፀወታኣ ንሴኔጋል 3 ን 1 ዝሰዓረት ፈረንሳይ፤ ናይ ሎሚ መርሃ ግብራ ብዓወት እንተዛዚማ ናብ ኣውዲቕካ ምሕላፍ ክትፅምበር ኢያ፡፡

ዮርዳኖስ ምስ ኣልጄሪያ ፀባሕ ንጉሆ ሰዓት 12 ፀወተአን ክገብራ ኢየን፡፡

Comments (0)
Add Comment