ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 30 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም፡፡
ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ መሪሕ እቲ ሊግ ሲዳማ ቡና ምስ ኢትዮጵያ መድን ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡
ሲዳማ ቡና ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ እንተስዒራ ምስ ተኸታሊታ መቻል ዘለዋ ኣፈላላይ ነጥቢ ናብ 10 ክብ ክተብል ትኽእል ኢያ፡፡
ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ድማ ቀትሪ ሰዓት 9 ፋሲል ከነማ ምስ ባህር ዳር ከተማ፣ ከምኡ እውን ምሸት ሰዓት 12 ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ምስ ነገሌ ኣርሲ ክራኸባ ኢየን፡፡