ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 11 ሰሙን ፀወታታት ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ መዓልቲ 7 ፀወታታት ክካየዱ እዮም።
መርሃ ግብሪ እዚ ዕለት ቀትሪ ሰዓት 9፡30 ኣብ ስታድዮም ኢቲሃድ ማንቸስተር ሲቲ ምስ ፉልሃም ብዘካይደኦ ፀወታ ክጅምር እዩ።
ማንቸስተር ሲቲ ኣብቲ ሊግ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ተኸታተልቲ ፀወታታት ድሕሪ ምስዓራ ናብ ዓወት ንምምላስ ናብ ሜዳ ክትኣቱ እያ።
ኣብ ካልእ ፀወታ ምሸት ሰዓት 12፡00 ቼልሲ ኣብ ሜዳኣ ስታምፎርድ ብሪጅ ንሊድስ ዩናይትድ ክተተኣናግድ እያ።
ክልቲአን ጋንታታት ኣብቲ ሊግ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ተኸታተልቲ ግጥመን ክልተ ክልተ ግዜ ዓወት ዝተዓወታ እንትኾና፤ ኣብ ዝተረፈ ሓደ ፀወታ ድማ ነጥቢ ተማቒለን።
መሪሕ እቲ ሊግ ኣርሰናል ናብ ሴንትጀምስ ፓርክ ብምጉዓዝ ምሸት ሰዓት 2፡30 ምስ ኒውካስል ዩናይትድ እትገጥመሉ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።
ክልቲአን ጋንታታት ካብ ዝገበርኦ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ግጥማት፤ ኣርሰናል ሰለስተ ዓወት እንትተዝግባ ኒውካስል ዩናይትድ ክልተ ግዘ ተዓዊታ።
ኣስቶን ቪላ ምስ ሰንደርላንድ፣ ቦርንመዝ ምስ ኖቲንግሃም ፎረስት፣ ኮቨንትሪ ሲቲ ምስ ክሪስታል ፓላስ፣ ቶተንሃም ምስ ኢፕስዊች ታውን ብተመሳሳሊ ሰዓት 12፡00 ዝካየዱ ካልኦት ፀወታታት እዮም።