ኣብ 2018 ሓፈሻዊ ፍርያት ስርናይ 126 ነጥቢ 69 ሚሊየን ኩንታል በፂሑ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ፈላሞት ርብዒ ዓመታት 2018 ሓፈሻዊ ፍርያት ስርናይ 126 ነጥቢ 69 ሚሊየን ኩንታል በፂሑ ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ፕሮግራም ስርናይ ኢትዮጵያ መፍረያይነት ብምውሳኽ፣ ስርዓት መስኖ ብምስፋሕ፣ ስርዓት ቀረብ ዝራእቲ ኣብ ምጥንኻር ኢሉ እውን ኣብ ዋና ዋና ከባቢታት ንኣናእሽቲ ሓረስቶት ብምድጋፍ ኣብ ጉዕዞ ርእስኻ ምኽኣል ሃገርና ዝተመስረተ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ፈላሞት ርብዒ ዓመታት 2018 ሓፈሻዊ ፍርያት ስርናይ 126 ነጥቢ 69 ሚሊየን ኩንታል ከምዝበፅሐ ብምሕባር÷ እዚ ድማ ፍርያት ስርናይ መስኖ እንተይወሰኸ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ሓረስቶትና ከድንቕን ከመስግንን ይደሊ፤ እዚ ናይ ስራሕ ፅንዓት ቀፅሉሉ ክብሉ እውን ኣገንዚቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment