ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቦታት ዝተፈላለዩ ሃይማኖታት ሓዱሽ ዓመት 2014 ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም።
ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ፥ ሓዱሽ ዓመት እንትመፅአእ ዘበነ ሓጎስን ተሃድሶን ንኽኸውን ካብ ምምናይ ብተወሳኺ ብብሩህ ተስፋ ምቕባል ፅቕ ኢዩ ኢሎም።
ዘበኑ ሓዱሽ ክኸውን ዝኽእል ብነበርክቶ ስራሕ እምበር ዘበን ባዕሉ ሓዱሽ ኣይኸውንን ዝበሉ እቶም ፓትሪራርክ፥ ሓደሽቲ ስራሕቲን ኣሰራርሓታትን ብምፍጣር ሓዱሽ ዓመት ብኩለመንኡ ሓዱሽ ንኽኸውን ተጊህኻ ምስራሕ የድሊ ኢሎም።
ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ተቀዳሚ ሙፍቲ ሐጂ ዑመር ኢድሪስ ብግደኦም፥ ንሓዱሽ ዓመት እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣብ 2014 ዓ.ም ዘይተገብኡ ተግባራት ተወጊዶም ብሰናይ ተግባራት፣ ብምትሕዝዛንን ብምትሕብባርን ምንባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ኣብ ሓሙሽቲአን መዓልቲታት ብላዕለዎት ኣመራርሓታት መንግስቲ ዝተተግበሩ ሰናይ ተግባራት ኩሉግዘ ክቕፅሉ ይግባእ ኢሎም።
ሊቀ ጳጳስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብጹዕ ካርዲናል ብርሃነየሱስ፥ ዝመፅ ዘበን ካብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ካብ ወፃኢ ብዛዕባ ሰላምብ ዕርቂን ዝስርሑ ከከም እምነትና ነበረታተዐሉ ክኸውን ከምዝግባእ ገሊፆም።
“ኣብ ሓዱሽ ዓመት ናይ ፅልኢት ዘረባ ዘበኣእሱ ሓበሬታታት ተወጊዶም ፍዘቕርን ዕርቂን ዝሰብኩ ተግባራት ዝትኮረሉ ክኸውን ይግባእ” ክብሉ ኣተሓሳሲቦም።
ንሰላም ሃገርን ምዕባለን መፍትሒኡ ሓድነት ካብ ዘናግዕ ተግባር ምርሓቕ ኢዩ” ዝበሉ ድማ ላዕለዋይ ፀሓፊ ካውንስል ኣቢያተ ክርስቲያናት ኣመንቲ መንጌል ኢትዮጵያ ቄስ ደረጀ ጀምበሩ ኢዮም።
መፃኢ ዘበን ዝተጀመሩ ልምዓታት ተዛዚሞም ኲናትን ምክፍፋልን ተወጊዱ ብሓድነት ምስጋር ዝከኣለሉ ንኽኸውን እውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።
ፕሬዚዳንት ሕብረት ወንጌላውያን ኣቢያተ ክርስቲያናትኢትዮጵያ ፓስተር ጻድቁ አብዶ ብግደኦም፥ ዝተዛዘመ ዓመት ኮቪድ ሓዊሱ እዛ ሃገር ብዙሓት ማሕለኻታት ዘተኣተኣናገደትሉ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።
ብኣንፃሩ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያን 6ይ ሃገራዊ መረፃን ብሰላማዊ መገዲ ዝተኻየዱ ናይ ዓወት ዓመታት ነይሮም ኢሎም።
እቶም ኣቦታት ሃይማኖት፥ ኲናት ፅቡቕ ምስሊ የብሉን ኩሉ ዜጋ ንምዕሳል ሰላም ናይ ባዕሎም ግደ ከበርክቱ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።