እቲ መረፃ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ንማንም ዘይስኮን ምዃኑ ዘርኣየ እዩ – ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ እቲ ክልል

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ህዝቢ ክልል ኣምሓራ ንማንም ዘይስኮን ምዃኑ ኣርእዩ ኢሎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝንቀሳቀሱ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ፡፡
እቲ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ከምዝበሎ፤ ህዝቢ ኣምሓራ ንዲሞክራሲ ብዝኸፈሎ መስዋእቲ እቲ መረፃ ብዓወት ተዛዚሙ።
ኣቦ ወንበር ምንቅስቓስ ዲሞክራስያዊ ሓይሊ ኣምሓራ (አዴሃን)ን ኣካቢ ኣፈ-ጉባኤ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ተስፋሁን ኣለምነህ ከምዝበልዎ፤ ህዝቢ ንፀገማት ተፃዊሩ ንዲሞክራስያዊ ስርዓት ዝኽፈል መስዋእቲ ከፊሉ።
እቲ መረፃ ሰላማዊ፣ ዲሞክራሲያዊን ተኣማኒን ከምዝኾነ ብምሕባር፤ በዙይ እውን ኢትዮጵያ ስዒራ ኢሎም፡፡
Comments (0)
Add Comment