ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ኣብነት ዝኸውን ኢዩ ኢሎም ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ጉዳያት ፖለቲካ፣ ሰላምን ድሕንነትን ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ መርሃ ግብሪ መጀመሪ ሃገረዊ ጉባኤ ዘተ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ምክያድ ጀሚሩ።
ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ እዚ ሃገራዊ ዘተ ንከየዲ ህንፀት ዴሞከራሲን ፃዕሪ ዘላቒ ሰላምን ኢትዮጵያን ልዑል መረጋገፂ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
እቲ ዘተ መግለፂ ሃገራዊ ሓላፍነት ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንምርግጋፅን ኣብ ፖለቲካ ምህዳር ምትእምማን ንምፍጣር ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም፡፡
ሃገር በቆል ከይዲታት ዘተ ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ነታ ኣህጉር ኣብነት ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ መሰል ልዝባት ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ እውን ክልመዱ ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ