ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክት ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ በዓል ሓዱሽ ዓመት 2014 ዓ.ም ምኽንያት ብምግባር መልእኅ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፈን።
እተን ከንቲባ ኣብ መልእኽተን፥ “ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃን ትነብሩ ኢትዮጵያውያን ከምኡ እውን ክቡራት ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እንኳዕ ኣብፀሐኩም” ኢለን።
“እንኳዕ ደስ በለኩም፤ እንኳዕ እውን ካብ ዘበን ናብ ዘበን ኣሰጋገረኩም፤ ዝብሉ ቃላት ሓዱሽነት ናይ ምልባስ ጉልበት ኣለዎም፤ ተስፋ ናይ ምትሕልላፍ ሓይሊ ኣለዎም፤ ሓጎስ ናይ ምጉንፃፍ ዓቕሚ ኣለዎም እንኳዕ እውን ኣሰጋገረኪም ኣሰጋገረና” ኢለን፡፡
“ዘበን ሰብ ኢዩ፤ ዘበን ኣነን ንስኻትኩምን ኢና፤ ኣብ ውሽጢ ዘበን ንሕና ኢና ጎሊህና ክነረአ ዘለና፤ ዝፅራሕ ተግባር፣ ዝንገር ታሪኽ፣ ኣብነት ዝኸውን ስራሕ፣ ኣብ ውሽጢ ዘበን ንምስራሕ እቲ ዘበን ተዋሂቡና ኢዩ፤ ዝተውሃበና ዘበን ንምጥቃም ኣብ ኢድና ኢዩ፤ ምስግጋርና ትርጉም ክህልዎ ምግባር ናይ ኩልና ሓላፍነት ኢዩ” ክብላ ገሊፀን፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።