ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ከባቢ ቀጨኔ ንህዝቢ ኣገልግሎት ክህብ ብዘኽእል መልክዑ ለሚዑ ንግልጋሎት ክፍቲ ኮይኑ ኢለን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ፡፡
ሎሚ ኣብ ፅባሕ መዓልቲ መረፃ ኣብ ወሰን ሩባ እንጦጦ ቀጨኔ ንኣገልግሎት ዝህብን ብቀዳማይ ሚኒስትርና ተመሪቑ ንህዝቢ ተኸፊቱ ኢለን።
ኣብ ከተማና ዝርከቡ ብዙሓት ሩባታት ከተማናን ሳንባ ከተማናን ዝኾነ ደኒ ዝርከበሉ ካብ እንጦጦ ክሳብ ቀጭኔ ዘሎ ከባቢ ናብ ተፈጥሮኣዊ ኩነታቱ ተመሊሱ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ዘኹርዕ ስራሕ ባህሊ ዝዝክሩ ሓወልትታትን ቅርስታትን ተሃኒፆም እቲ ከባቢ ምሉእ ብምሉእ ሰሓብን ዝድነቕን መልክዕ ሂብዎ ኣሎ።