ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መስከረም፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ብምኽንያት በዓል ሓዱሽ ዓመት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ካብ 30 ዝበልፁ ማእከላት ምግቢ መኣዲ ኣካፊለን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘሕለፍኦ መልእኽቲ፣ ነዚ ሓዱሽ ዓመት እንቕበሎ ዘለና እዋን እንኳዕ ንሓድሽ ዓመት ብሰላምን ብጥዕናን ኣብፅሓኩም ብምባል፣ ንወገናትና ዘለና ክብርን ፍቕርን ብምግላፅ እዩ ኢለን።
እዚ ሓድሽ ዓመት ዓመት ፍቕሪ፣ ሰላምን ሓጎስን ክኸውን፣ ንሓድሕድና ዝያዳ እንደጋገፈሉን ብሓባር ሰሪሕና እንምዕብለሉን ዓመት ዓወት ክኸውንን እምነ ኢለን።